Berhe Mael

Berhe Mael Goitom is a Swedish citizen, who originally came from Eritrea. When he was in Eritrea, he worked as a mathematic teacher. He is also one of the most influential Eritrean political figures in the diaspora, he is known for his way of writing especially Tigrinya articles. Nowadays, he works as a teacher and he is a member of highly encrypted and networked political organizations called ELM, ማሕበር-7.

The Eritrean Orthodox Church should reconcile with science and technology

ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ክትዕረቅ ኣለዋ! ከም ዝፍለጥ፡ ሃይማኖት ክርስትና -ብፍላይ ድማ ኮቶሊኽ- ድሕሪ ምውዳቅ ሮማዊ ኢምፖርያጦርያ፡ ኣብ ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ምስ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን ክትጋጮ ንናይ ምዕራብ ህዝቢ ብድንቁርና፡ ብልሽውናን ሕማምን ኣዝዩ ክፉእ መዋእል ከም ዘሕልፍ ገራቶ ነይራ እያ። እንተ’ኾነ ግን፡ ምስ ምምሃዝ ናይ ጽሕፈት-ማሽን(1450፡ ብዮውሃንስ ጉተምበርግ) ናይ ፍልጠት ብርሃን ብዝቀለለ ክዋናጨፍ …

The Eritrean Orthodox Church should reconcile with science and technology Read More »

Corruption in Eritrean orthodox church

ተሓድሶ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ተሓድሶ ከም ዘድሊያ ኣዝዩ ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ናይ ተሓድሶ መራሕቲ ክትረክብ ወይ ክትፈጥር ኣይክኣለትን። እቶም ናይ ቅሽነት ወይ ክህነት መዓርግ ዝተቀበሉ መብዛሕቲኦም ናብ ‘ሃገርዊ ኣገልግሎት’ ከይከዱ ወይ ከይግፈፉ ኢሎም እዮም ተቐቢሎሞ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣዝዮም ብብልሽውና ዝተቆማጥዑ ስለዝኾኑ ንተሓድሶ ብጣዕሚ እዮም ዝቃወምዎ። እንተኾነ …

Corruption in Eritrean orthodox church Read More »

ለውጢ፡ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ይምጽእ

ለውጢ፡ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ይመጽእ፧ ቅድሚ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ብኸመይ ይመጽእ፧ ዝብል ሕቶ ምምላስና። ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ለውጢ ክመጽእ ዘይከኣለ፧ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገረ-መግስቲ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ክትሃንጽ ኣይክኣለትን። መንግስቲ ክትሃንጸሉ ዘይክኣለት ምኽንያት ኣብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ ሓበሻ፡ ሓሙሽተ ጽቡቕ ገይሮም ዘይተሰዓዓሩ ስርዓታት፡ ስርዓት ሕጊ-እንዳ’ባ፡ ፈዳራልያዊ ስርዓት፡ ፋሽሽታዊ …

ለውጢ፡ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ይምጽእ Read More »