ዓኾዃይ …ዓኾዃይ

ማሕበር-7፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመታታ፡ ካብ ሰለማዊ ክሳብ ዝለዓለ ጎነጻዊ ቃልሲ ከተካይድ ጸኒሓን ኣላን። ካብ ካልኣይ መፋርቕ ኣርብዓታት ክሳብ ካልኣይ መፋርቕ ሓምሳታት፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት፡ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ኣካይዳ። እንተ’ኾነ ግን ኣብ መወዳእታ 1950ታት ባንዴራ ኤርትራ ካብ ቦትኣ ወሪዳ፡ ፈደረሽን ድማ ብወግዒ ክጠሓስ ስለዝጀመረ፡ እቲ ቃልሲ መልክዑ ክቕይር ግድን ነይሩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ማሕበር-7 ብሚስጢር ሓደ ንሽዱሽተ ብምውዳብ ብመክዕ ሰለማዊ ሰልፊ ክትቃወም ጀሚራ። ውጺት እቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ግን፡ ማእሰርቲ መራሕትን ወደብትን ምሕበር-7 እዩ፣ ኣስዒቡ። ድሕሪ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ብሰለማዊ መገዲ ተቓዊምካ ለውጢ ክመጽእ ከም ዘይክእል ዝተረድአ መራሒ ማሕበር-7፡ ትኩእ ይሕደጎ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣማሓላሊፉሎም ነይሩ፥

“ንጸላኢካ ኣብ ዝረከብካዮ፣ ብዘለካ ምግጥም እዩ፤ እቲ እንኮ መፍትሒ።”
ትኩእ ይሕደጎ
Tweet

ሕጂ እንት’ኾነ ውን ማሕበር-7 ቃል ትኩእ ይሕደጎ ከም ዘለዎ’ያ ትኣምነሉን ትሰርሓሉን። እዚ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ዓሪዱ ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ”ዓኾዃይ…ዓኾዃይ” ኢልና ካብ ሃገርና ነውጸኣሉ እንኮ መንገዲ፣ ብዘለና ኣጽዋር ብምጭፍጫፍ ጥራይ እዩ። ብዓንደ ርእሱ ውን ኣሸበርቲ፡ ብሽበራ ኢካ ከተጥፍኦም ትኽእል።

ስለምንታይ ማሕበር-7 ኣብ ዳሜራ ዝተወደበ ሓሳብ ናብ ህዝቢ ዕላው ክትገብር መሪጻ፧

ኣብ ብሄረ-ትግርኛ ፡ዳሜራ ናይ ተስፋ፡ ናይ ሓርነትን ናጽነትን ብዓል እዩ፤ ብሽግ ድማ ይውከል። ማሕበር-7 ድማ ሽጋ ዓቲራ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘስንቅን ክብረት ዝህብን ዝተወደበ ሓሳብ ሒዛ ደበኽ ኢላ ኣላ።

fire, flame, hand-2025460.jpg