ዕላማታት ማሕበር-7

1. መንግስቲ ምህናጽ
2. ማእከል ቁጠባን ፖሎቲካን ናብ ቦቱኡ ምምላስ፡ ናብ ኣዶሊስን ዙላን።
3. ካብ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓድግታት ሓራ ሙኻን
4. ዘላቂ ቁጠባዊ ዕብየት ምርግጋጽ።
5. ሓያል ኮይንካ፡ ዘላቂ ሰላም ምርግጋጽ።
6. ምድረ’በዳነት ምክልኻል።
7. ስርዓተ-ትምህርትና ብመንነትና ምቕራጽን ቋንቋ ትግርኛ ምዕባይን።

መትከላት ማሕበር-7

1. ኣብ ኤርትራ፡ ብሄረ-ትግርኛ ጥራይ እዩ፣ ወደ’ባት።
2. ወግዓዊ ሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ ትግርኛ እዩ።
3. መሰል ርእሰ ውሳነ ዘለዎ፣ ብሄረ ትግርኛ ጥራይ እዩ።
4. ሃገራውያን ክብርታት ኤርትራ፡ ኦሪታዊ ክርስትያናዊ ስርዓተ-ክብርታት እዮም።
5. ሕጊ-እንዳ’ባ፡ ሃገራዊ ስርዓት እዩ።
6. ታሪኽ ብሄረ ትግርኛ፡ ኣካል መንነትን ጸጥታን ኤርትራ እዩ።
7. ማሕበር-7፡ ሃገራዊ ውዳቤና ዝሽርሽሩ ውዳቤታት ይኹንን ይቃለስን።

ቶልእኾ ማሕበር-7

ንሕና ከም ሕብረተ-ሰብ፡ ተልእኾ ካብ ዓድናን ወለድናን ኢና እንቕበል። ዕዉታትን እሙናትን ዝገብረና ድማ፡ ተልእኾና ብዝግባእ ምስ ንፍጽም ጥራይ እዩ። ተልእኾና ድማ፡ ዕላማታት ወለድናን ዓድናን ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ እዩ። ንሕና ከም ማሕበር ሸውዓተ-7- ኩሉ ሸውዓቲኡ ከም ዕላማና ኣቐሚጥናዮ ዘለና፣ ናትናን ናይ ወለድናን ዕላማ፣ ኣብ ፍጻሜ ብምብጻሕ ቶልእኾና ክንፍጽም ኢና።

ራኢ ማሕበር-7

ኣብ’ዚ እዋን፡ ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸጋታታ፡ ኣብነት ናይ ሕመቕን ድሕረትን ኮይና ኢና ንረኽባ። ዜጋታታ ውን፡ ራኢኦም ዝጸልመቶም ኮይኖም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ እታ እንኮ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ዘለዋ ሃገር፡ ኤርትራ ጥራይ ኢያ። ስለዝኾነ፡ እዞም ዝስዕቡ ራኢታት ሒዛ፡ ማሕበር-7 ተበጊሳ ኣላ።
1. ኤርትራ ከም ሃገር፡ ምንጪ ሓበን ዜጋታታ ክትከውን። 
2. ህዝቢ ኤርትራ፡ ደረጃ መነባብራኡ ከም ናይ ቀዳማይ ዓለም ክኸውን። 
3. ኤርትራ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቑጠባን ጸጥታን ዝሓየለት ሃገር ክትከውን።

ተወደብ/ቢ

ኣብ ሓሳብ ኣቦታትና ተወዲብና፣ ጸላእትና ንስዓር!