ማሕበር-7


መርሓ ጎደና ማሕበር-7
Policy of eritrean liberal movement

መርሓ ጎደና ወይ ፖሊሲ ማሕበር-7፡ ዝተወደበ ሓሳባት ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣውጺካ ብምድሓን፡ ንክብሩ፡ ሓርነቱን ነጻነቱን ከም ዝቃለስ ምግባር እዩ።
ሙሉእ ፖሊሲ ማሕበር-7 ንምንባብ ኣብ’ዚ ተውቑ።

ህንጸት መንግስቲ

ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ምህናጽ ዘድሊየና ቀንዲ ምኽንያት፣ መንግቲ ስለዘይብልና እዩ። ኣብ ኤርትራ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝበሃል ኣሸባሪ ጉጅለ ዝውንኖም ትካላት እምበር፡ ዝኾነ መግስታዊ ትካል የለን። ስለዝኾነ ምህናጽ መግስቲ ብቀዳምነት ክስረሓሉ እዩ።

ሃገራዊ ሰራዊት

ኤርትራ፡ ሃገራዊ ሰራዊት የብላን። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ውተሃደራት፡ ብኣሸባሪ ግጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ድሕነት ዘድሊዮም ግዱዳት እዮም። ቀንዲ ስርሖም ህዝቢ ምርዓድን ምሽባርን እዩ፣ ዝኾነ ደው ዝብልሉ ዝተነጸረ ሃገራዊ ዕላማ ውን የብሎምን።

ስርዓተ-ትምህርቲ

ኣብ ኤርትራ ዝተሃንጸ ናይ ትምህርቲ ስርዓት የለን። ኣብ ኤርትራ ካድረታት ዘፍሪ ቤት-ትምህርታት’ዩ ዘሎ። እዚ ክንሃጾ መዲብናዮ ዘለና ስርዓተ-ትምህርቲ ግን ሞያቴኛታት ዘፍሪ ኮይኑ፣ ብሃገራዊ ስርዓት፡ ሕጊ እንዳ’ባ፡ ክቕረጽ እዩ።

ቋንቋ

ኤርትራ ሓንቲ ወግዓዊት ቋንቋ ክትህልዋ እያ፤ ንሳ ድማ ትግርኛ ጥራይ ክትከውን እያ። ዓረብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ስረት ስለዘይብሉ፣ ቦታ ዝበሃል ኣይክህልዎን እዩ።

ሃይማኖት

ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ስብ ናይ ዝመሰሎ ሃይማኖት ምኽታል መሰል ክህልዎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ዝበዓሉ በዓላት ግን ናይ ክርስትና ጥራይ ክኾኑ እዮም።

መሬት

ከም ዝፍለጥ ኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ መሬት ክሸይጥን ክልውጥን ጸኒሑ ኣሎ። ድሕሪ ጥፍኣት ጉጅለ ራዕዲ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን መሬት ኣይሽየጥ ኣይልወጥ፣ ክካረ ጥራይ’ዩ።

ጉዳይ-ትግራይ

ኤርትራ ዘቤታዊ ጸጥትኣ ተውሕስ ‘ባድመ’ ኣካል ኤርትራ ብምግባር ዘይኮነስ፣ ትግራይ ብምልእታ ኣካል ኤርትራ ብምግባር ጥራይ እያ። ኤርትራ፡ ንትግራይ ኣካላ ዝገበረትላ መዓልቲ ድማ፡ እታ እንኮ ዘቤታዊ ርግኣት ዘለወዋ ሃገር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ክትከውን እያ።

ቀዳምነታት ማሕበር-7

ስድራ-ቤት

ስድራ-ቤት ዓንዲ ሕቖ ሃገር እያ፤ ስድራ-ቤት ዓንያ ማለት ሃገር ዓንያ ማለት እዩ። ኣሸበርቲ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃገርና ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ደረጃ ዘውረድዋ ስድራ-ቤት ብምዕናው እዩ። ማሕበር-7 መታን ክንበዝሕን ክብረት ክህልወናን ኣብ ስድራ-ቤት ኣተኲራ ክትሰርሕ እያ።

‘ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት’

ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብጉጅለ ራዕዲ ህ.ግ.ደ.ፍ ጅሆ ተታሒዞም፡ ካብ ስድርኦምን ዓለምን ተነጺሎም፡ ጉልቦቶምን ግዜኦምን ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝምመዙ ዘለዉ ደቀ’ባት ኤርትራውያን ንምድሓን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እዩ።

ካብ ስደት ናብ ዓዲ

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ፍልጠት፡ ገንዘብ፡ ተመኩሮን ድሓን ዝኮነ ዝብድናታትን እኳ እንተ ኣለዎ፣ ከም ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ግን ተወዲቡ ኣብ ምእላይ ጉጅለ ራዕዲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክጥቀመሉ ኣይኣለን። ማሕበር-7 ለውጢ ካብ ውዳቤ’ዩ ዝመጽእ ኢላ ስለትኣምን፣ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኩሉ ዓቕምታት ወዲባ ዓዲ ክትኣቱ እያ።