ስለምንታይ ማሕበር-7

ህዝቢ ትግርኛ፡ ከም ሃገር-ብሄር- መንነቱ ምስ ሸውዓተ ኣዝዩ ምትሕሕዝ ኣለዎ። ብፍላይ፡ ኣብ ሃማኖቱን ስርዓተ-መውስብኡን ሸውዓተ ቁልፊ ትርጉም ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሸውዓተ ከም ሙሉእ ቁጽሪ እዩ፣ ዝቁጸር። እዚ ማለት፡ ሃገራዊ መንነት ህዝቢ ትግርኛ ብሸውዓተ ክግለጽ ይከኣል’ዩ፣ ማለት እዩ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንልላውነት’ውን ብመስዋእትን መሪሕነትን ማሕበር ሸውዓተ እዩ፣ ክዕወት ዝኸኣለ። እቲ ቀንድን ዋናን ድማ፡ ዕላማ ማሕበር-7 ይወራረስ ሙዃኑ እዩ። ኩሎም መራሕቲ ማሕበር ሸውዓተ ምስ ሓርበኛታት ኣቦሓጎታት ብሄረ ትግርኛ-ራእሲ ተሰማ ኣስመሮምን ወልድኣብ ወልደማርያምን- ሓያል ምትእስሳርን ናይ ዕላማ ምውርራስን ነይርዎም። ሕጂ ድማ እዚ ሓድሽ ወለዶ፡ ናይ ኣቦታቱን ኣቦ’ሓጎታትናን -ትኩእ ይሕደጎ፡ ኪዳነ ኩፍሉ፡ ወልድኣብ ወልደማርያምን ራእሲ ተሰማ ኣስመሮምን- ዕላማ ወሪሱ፣ ንብሄራዊ ክብሩ ኣብ ምቅላስ ይርከብ።

ኣብ ታሪኽ ማሕበር ሸውዓተ ምስጢራውነትን ምትእምማንን ምንጪ ዓወት ኢዮም። ሕጂ እንተ’ኾነ ውን ንሱ እዩ ክንቅጽል። ንኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሓያል ምስጢራዊ ውዳቤታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምፍጣር’ዩ ማሕበር-7፡ ከም ዝሓለፉ ስርዓታት ክንስዕሮን ከምበርክኾን። ኣብ ደገ ዝግበር ናይ ማሕበር-7 ውዳቤታት፣ ግን ግልጽን ተሓትትነት ዘለዎን ክኸውን እዩ።

ታሪኽ ማሕበር ሸውዓተ-7

ማሕበር ሸውዓተ-7- ኣብ መወዳእታ 1950ታት ዝተፈጥረ ብርቂ ምንቅስቓስ ኣይኮነን። ማሕበር ሸውዓተ-7- መቐጸልታ ኤርትራ ንኤርትራውያን(Liberal Progressive party) እዩ። ከም ዝፍለጥ፡ ድሕሪ መስዋእቲ ንጉሰ ነገስት ዮውሃንስ 4ይ፣ ብሄረ-ግእዝ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ፣ ብዘይ መራሒ ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ነይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ካብ መረብ ንሰምየን ዝነበረ ንመግዛእቲ ጥልያን፣ ከም መረብ ንደቡብ ዝነበረ ድም ንመግዛእቲ ሽዋ ተቓሊዑ። ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ምጽናሕ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኣተወት። ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ፡ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይኹን፧ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣዛራቢ ኣርእስቲ ምስ ኮነ። ነዝን ካልእን ሕቶታት ንምምላስ፡ ብርክት ዝበላ ፖሎቲካውያን ወድባት ተመስርተን ነይረን። ሓንቲ ካብ’አን ኤርትራ ንኤርትራውያን ነይራ።

ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ብለካቲት 1947 ኣብ ዓዲ-ቀይሕ ተምስርታ። ቀንዲ ዕላማ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ሃገረ መንግስቲ ብሄረ-ግእዝ ምትካል እዩ፣ ነይሩ።

“The Liberal progressive party campaigned for the establishment of a Tigrean state (encompassing all Tigrinya speaking people in Eritrea and Ethiopia).”  እዚ ክሳብ ዝኸውን ኤርትራን ትግራይን ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ እንግልዝ ክጸንሓ፣ ቀጺሉ ብናጽነት ብሄረ-ግእዝ(independence of a united Tigray) ክገሃድ፣ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነይሮም።(Tekeste Negash, 1997. p-46) ኮይኑ ግን፡ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቛሪና። ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም(1870-1961) ድማ ፈደረሽን ስለዘይተቐበልዎ ርእሶም ካብ ፖሎቲካ ኣግሊሎም። ዕድመ ውን ደፊኦም ስለዝነበሩ፡ ከቛርጽዎ ግድን ነይሩ። ሓርበኛ ወልድኣብ ወልደማርያም(1905-1995) ግን ቃልሶም ቀጺሎም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ ኣዝዩ ፈታኒ ነይሩ። ከም ዝፍለጥ፡ ካብ 1947-1953 ሸውዓተ ግዜ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሎም። ብድሕሪ እዚ ብ1955 ናብ ስደት ኣምሪሖም።

ድሕሪ ስደት ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ኤርትራ ንኤርትራውያን ብማሕበር ሸውዓተ-7- ተተኪአ። ትኩእ ይሕደጎ(1938-1971) ድማ፡ ዕላማ ኣቦታቱ ንምዕዋት ምስጢራዊ ውዳቤታት ብምፍጣር፡ ኣብ ኣስመራ ሰለማዊ ሰልፍታት ወዲቡን ኣንቂሑን። ተኪኤ በየነ ኣብ’ታ “ካብ ሪቕሕ-ፍንቲ” ዝሰመያ መጽሓፉ ከም ዝገለጾ፣ ትኩእ ይሕደጎ ብዝነበሮ ኣካልዊ ቁመናን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ከም መራሒ ክረአን ክእመንን ኣኽኢሉዎ እዩ፣ ይብል (ተኪኤ በየነ 2009)። ኣብ ዓይኒ ጸጥታዊ መዋቅር ኢትዮጵያ ክኣቱ ውን ግዜ ኣይወሰደን። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ልዕሊ ትኩእን ካልኦት ኣብላት ማሕበር ሸውዓተን ማእሰርትን መግረፍትን በዝሐ። ከም’ኡ ውን፡ ኩሉ ትኩእ ኣብ ኣስመራ ዝገብሮ ምንቅስቓሳት ምክትታል በዝሖ። ኮይኑ ግን፡ ውዳቤታት ማሕበር ሸውዓተ ብበዓል ኪዳነ ክፍሉን(1941-1970) ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያምን እንዳ ተመርሐ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጉልብት ነበረ። ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ካይሮ፡ ካብ 1959 ጀሚሩ ወኪልን መራሕን ማሕበር ሸውዓተ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ(Tom killion, 1998)።

ቀጺሉ ማሕበር ሸውዓተ-7- መርበቡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ክዝርግሕ ነይርዎ። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ኪዳነ ክፍሉ ቀንዲ ወዳብን መራሕን ማሕበር ሸውዓተ ነይሩ። ኪዳነ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኮይኑ ደብዳቤታት ብምጽሓፍን ምስጢራውያን ዋህዮታት ብምፍጣርን ሓያል ጽልዋ ክፈጥር ኪኢሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ገለ ኣባላት ማሕበር ሸውዓተ-7- ብናይ ኢትዮጵያ ጸጥታ ስለዝተታሕዙ፣ ኪዳነ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ናብ ሱዳን ክኸይድ ተግዲዱ። ኣብ ከሰላ ሱዳን ኮይኑ ምስ ወልደኣብ ወልደማርያም እንዳ ተናበበ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብመጋቢት 1970 ተሰዊኡ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ መዘንኡ ትኩእ ይሕደጎ ንሜዳ ክኣቱ ተሰዊኡ። ክልቲኦም ቀንዲ መራሕቲ ማሕበር ሸውዓተ ብሽርሒ ‘ቂያድ-ኣል-ዓማ’ ክጠፍኡ ተጌሩ።

ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ካይሮ ብኣስላም ኤርትራ ተንጽሎ ምስ ገጠሞ። ዝነበሮ መማረጺ ወኪልን መራሕን ማሕበር ሸውዓተ-7- ኮይንካ ምስራሕ እዩ(Emnetu Tesfay, 2015)። ከማ’ኡ  ድማ ገበረ። ምስ ትኩእን ኪዳነን እንዳ ተናበበ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ክልቲኦም ደቁን ምቃልስቱን ምስ ተሰውኡ ግን፣ ኩሉ ዕማም ኣብ እንግድዕኡ እዩ ወዲቑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ’ቲ እዋን ዋህዮታት ማሕበር ሸውዓተ-7- ብበዓል ተክኤ በየነ እንዳ ተኣልያ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ኣስመራን ሓያል ውዳቤታት ሓፋሽ ውድባት ፈጢረን ነረን እየን። ኣብ’ዚ እዋን ሰልፊ ናጽነት ወይ ህዝባዊ ግንባር ተመስርታ ኣብ ምንቅስቓስ ስለዝነበረት፣ እሞ ድማ ኣብ “ንሕናን ዕላማናን” ከም ዘነጽሮ ኩሎም ብሄረ-ግእዝ ስለዝነበሩ። ኩሎም ሃገራውያን ወይ ኣባላት ማሕበር ሸውዓተ-7- ናብ ህዝባዊ ግንባር ወይ ሰልፊ ናጽነት ተሰለፉ። ሓርቤኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ድማ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ምስ ደቁ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ቃልሱ ቀጺሉ።

ኤርትራ ሉኡላውነታ ምስ ኣረጋገጸት፡ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ንኹሎም ሓርበኛታት ወኪሉ ብሓበን ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፦ 

“ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ እዩ ዘውዲ ደፊኡ። ነዛ ዘውዲ እዚ’ኣ ዝትንክፍ ወይልኡ።!” 

እታ “ዘውዲ” ዝተባህለት ኤርትራ፡ ከም ሲንጋፖር ክትከውን ብምሕሳብ ሓርቤኛታት ኣቦታትን መራሕትን ማሕበር ሸውዓተ በዓል ተክኤ በየነ ቆሪጾም ተላዒሎም። እንተኾነ ግን፡ እታ ብዋጋ ቃልሲ ሃገራውያን ኣቦታትን ሓፋሽ ህዝብን ዝተረጋገጸት ሉኡላውነት ሃገረ-ግእዝ(ኤርትራ) ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ወዲቓ። እዞም ብናይ ብሄረ ትግርኛ ሃገራውነት ኣብ ስልጣን ዝመጹ ኣሸበርቲ ጉጅለ-ህ.ግ.ደ.ፍ-፡ ነቶም ብተወፋይነቶምን ናይ ስራሕ ትግሃቶምን ዝፍለጡ፡ ኣባላትን መራሕትን ማሕበር ሸውዓተ ከስርሕዎም ኣይከኣሉን። ታሪኾምን ኣበርክቶም ኣብ ምምጻእ ሉኡላውነት ኤርትራ ከይለዓል ገይሮሞ። ኣብ ክንድኡ ታሪኽ ሺፍታ እድሪስ ዓዋተን ጀሃድ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ከዳምቑ መሪጾም። ግን ታሪኽ ሃገራውያን ኣቦታት ዝቕበር ኣይኮነን። ክቕበር ስለዘይተኻእለ ድማ እነሀ ማሕበር ሸውዓተ-7- ዳግማይ ተወዲቡ፣ ዘይተመላኡ ዕላማታቱ ኣብ ሸቶኦም ንምብጻሕ ኣብ ቃልሲ ይርከብ።