ለውጢ፡ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ይመጽእ፧

ቅድሚ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ብኸመይ ይመጽእ፧ ዝብል ሕቶ ምምላስና። ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ለውጢ ክመጽእ ዘይከኣለ፧ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገረ-መግስቲ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ክትሃንጽ ኣይክኣለትን። መንግስቲ ክትሃንጸሉ ዘይክኣለት ምኽንያት ኣብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ ሓበሻ፡ ሓሙሽተ ጽቡቕ ገይሮም ዘይተሰዓዓሩ ስርዓታት፡ ስርዓት ሕጊ-እንዳ’ባ፡ ፈዳራልያዊ ስርዓት፡ ፋሽሽታዊ ስርዓት፡ ኢስላማዊ ዓረባዊ ስርዓትን ኣምሓራዊ ምልካዊ ስርዓትን ስለዘለዉ እዮም። እቶም ኢስላማዊ ዓረባዊ ስርዓትን ኣምሓራዊ ምልካዊ ስርዓትን ዝተሳዕሩ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም። እንተ’ኾነ ግን ምስ ፋሽሽታዊ ስርዓት ግንባር እንዳ ፈጠሩ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኸይመጽእ ከተዓናቅፋ ኪኢሎም እዮም። ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል እምበኣር፤ ኣብ ስርዓት ሕጊ-እንዳ’ባ፡ ባይትኣዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ሰረት ዝገበረ መንግስቲ ክህነጽ እንተ ኺኢሉ ጥራይ እዩ።

ኣብ ስርዓት ሕጊ-እንዳ’ባ ስረት ዝገበረ መግስቲ ከይንሃንጽ ቀንዲ ዝዕንቅፈና ዘሎ፡ ብኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ክህነጽ ዝድለ ዘሎ ፋሽሽታዊ ስርዓት እዩ። ኣብ ኤርትራ ብኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ክህነጽ ዝፍተን ዘሎ ፋሽሽታዊ ስርዓት፡ ኣብ 2%  ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ጽሩያት ኤርትራዊያን ሰረት ዝገበረ እዩ። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ፡ ኣብ ጽሩያት ዓሌት ኣርያን “pure aryan race” ሰረት ዝገበረ ፋሽሽታዊ ስርዓት ማለት እዩ። እዞም ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ነቲ ዓጋመ ዝብልዎ፡ 98% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጭዋ ሕብረተ-ሰብ፡ እንዳ ኣሸበሩን ኣርዓዱን፡ ከም’ኡ ውን ባርያ ብምግባር እዮም፣ ከቢሮም ክነብሩ ዝደልዩ።

እሞ እዞም 2% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’፡ ዝጠፍእሉ መንገዲ ተወዲብካ ብጎነጽ ጥራይ እዩ። ውዳቤ ግን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክኸውን ስለዘይከኣል፤ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ጭዋ ኤርትራዊ-ዓጋመ- ኩሉ ዓቕምታቱ ወዲቡ ዓዲ ክኣቱ ክዳሎ ይግባእ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ዝጠፍኡ መጀመርያ እዞም ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ምስ ዝጠፍኡ እዩ። እቲ ሕቶ 2% ዶ ይንበሩ፣ ወይስ 98% ይንበሩ፧ እዩ።

ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ማሕበር-7 ኣብ ኤርትራ ለውጢ ብጎነጽ’ዩ ዝመጽእ ኢላ እያ ትኣምን። ለውጢ ዘምጽእ ድማ ዝተወደበ ሓይሊ እዩ። ክውደብ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለዎ ድማ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ-ዓጋመ- እዩ።

December 30, 2022

Corruption in Eritrean orthodox church

Berhe Mael

ተሓድሶ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ተሓድሶ ከም ዘድሊያ ኣዝዩ ብሩህ እዩ።…

December 30, 2022
November 13, 2022

ጽሩያት ኤርትራውያን

Berhe Mael

ጽሩያት ኤርትራውያን ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ንብሎም ትሕቲ 2% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፣ ዓዲ ዘይብሎም፡ ሕማቕን ጽቡቕን…

November 13, 2022
October 31, 2022

ሸውዓተ-7-

Berhe Mael

ሸውዓተ-7- ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ-ትግራይ- ወይ ድማ ኣብ’ታ ‘ኢትዮጵያዊት’ ዝነበረት ክልል ትግራይ ቅርብ ኢልካ ከተጽንዕ…

October 31, 2022
October 30, 2022

ትኩእ ይሕደጎ 1938-1971

Berhe Mael

ቀንዲ መራሒ ማሕበር-7 ባህሪ ማሕበር-7 ንምርዳእ፡ ንመራሕን መስራትን ማሕበር-7 ፡ትኩእ ይሕደጎ (1938-1971)፡ ምርዳእ ግዲ ይኸውን።…

October 30, 2022

Leave a Comment

Your email address will not be published.