ቀንዲ መራሒ ማሕበር-7

ባህሪ ማሕበር-7 ንምርዳእ፡ ንመራሕን መስራትን ማሕበር-7 ፡ትኩእ ይሕደጎ (1938-1971)፡ ምርዳእ ግዲ ይኸውን። ትኩእ ካብ ህጻንነቱ ኣትሒዙ ስፖርት ዘዘውትር ተዋዳዳሪን ግሩምን’ዩ ነይሩ፡ ናብ ቃልሲ ክኣቱ እንከሎ ድማ ዓርጣም ጎበዝ’ዩ ዝነበረ። ንዝኣመነሉ ዋጋ ዝኸፍል፣ እንተ ዘይኣሚኑ ድማ ስድሪ ዘይስጉም ናይ መትከል ተቓላሳይ ምንባሩ ድማ ካብ ደብዳቤታቱን መቓልስቱን ክንርዳእ ንኽእል። ንኣብነት መቓልስቱ ኣቦና ተኪኤ በየነ ኣብ’ታ “ካብ ሪቕ ሕፍንቲ” ዝተሰምየት መጽሓፉ “ቱኩእ ይሕደጎ ቀላጽሙን ደናግኡን ደንደላ ዝመስል” ብናይ’ቲ እዋን መዛንኡ ወይ መቓልስቱ ዝምለኽ ዝነበረ ሓርቤኛ ሙዃኑ ይምስክር።

እታ “ገድሊ ኤርትራ መዓስ ተጀመረ፧ ብመን’ከ፧” ዘርእስታ ኣብ መጀመርታ 1971 ዘተጻሕፈት ደብዳቤ ትኩእ ይሕደጎ እንተ ኣንቢብካ። ትኩእ ይሕደጎ ኣካላዊ ብቕዓት ጥራይ ዘይኮነ፤ ብቑዕ ፖሎቲኬኛ ምንባሩ’ውን ይበርሃልካ። ኣብ ደብዳቤ’ኡ፡ ናይ’ቲ እዋን ዝነበረ ፖሊቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ዝነበረ ምምቕቓላትን ምቅትታልን ጠንቁን ሳዕቤናቱን የነጽር። ብተወሳኺ ድማ ኣመዓባብላ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ንኤርትራውያን ናብ ማሕበር-7 ዝነበረ ሓርጎጽጎጽን ከም’ኡ ድማ ምስ ኣስላም ኤርትራ ኮይንካ ቃልሲ ክካየድ ከምዘይክኣል ካብ ተመኩርኡ ኣካፊሉ። ኣብ ኤርትራ ድማ ኣስላም ዝጀመርዎ ጅሃድ እምበር፡ ሃገራዊ ቃልሲ ከም ዘይየለ ኣብ ደብዳቤ’ኡ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ትኩእ ይሕደጎ፡ ቃልሲ ኣቦታቱ ራእሲ ተሰማ ኣስመሮምን ወልድኣብ ወልደማርያምን ዝርዳእን ንዕላምኦም ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ዝቃለስን ሓርቤኛ መራሒ’ኡ ነይሩ። ተልእኾን ዕላማን ካብ ኣቦታቱ ተቐቢሉ፣ ኣንጻር ምልካዊን መስፋሕፋሕን ስርዓት ኣምሓራ፣ ከም’ኡ ውን ኣንጻር ኢስላማዊ ዓረባዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክሃንጹ ዝብህጉ ጅሃዳውያን እንዳ ተቓለሰ ተሰዊኡ።

ካብ ተመኩሮ ትኩእ ይሕደጎን ካልኦት ሃገራውያን ኣቦታትን ንመሃሮ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ናይ ስርዓታት- ኣሃዳዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ኢስላማዊ ዓረባዊ ስርዓት፡ ፋሽሽታዊን ዲሞክራስያዊን ስርዓታት- ሽግር ሙዃኑ እዩ። ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት ሽገር ብዘተን ልዝብን ወይ ብሓድነት ኣይፍታሕን፣ ብሓይሊ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ። እቲ ዝስዕር ድማ ፍሉጥ’ዩ፣ እቲ ካብ ነዊሕ እንዳ ሰዓረ ዝመጸ ሕጊ-እንዳ’ባ ፡ናይ ውክልና ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ እዩ ዝስዕር። ሕጊ-እንዳ’ባ ክስዕር ግን ንደገፍቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ጸላእቲኻ ሪኢኻ፣ ከም ወዮ ትኩእ ይሕደጎ ዝበሎ “ብዘለካ መሳርያን ገንዘብን ጌርካ ምግጣም” እዩ። እዞም ጸላእቲ እዚኦም ስገኦምን መንፈሶምን ምስ ፈረሰ ጥራይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዱ ከቢሩን ተሓፊሩን ክነብር ዝኸእል።

1 thought on “ትኩእ ይሕደጎ 1938-1971”

Leave a Comment

Your email address will not be published.