ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ክትዕረቅ ኣለዋ!

ከም ዝፍለጥ፡ ሃይማኖት ክርስትና -ብፍላይ ድማ ኮቶሊኽ- ድሕሪ ምውዳቅ ሮማዊ ኢምፖርያጦርያ፡ ኣብ ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ምስ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን ክትጋጮ ንናይ ምዕራብ ህዝቢ ብድንቁርና፡ ብልሽውናን ሕማምን ኣዝዩ ክፉእ መዋእል ከም ዘሕልፍ ገራቶ ነይራ እያ። እንተ’ኾነ ግን፡ ምስ ምምሃዝ ናይ ጽሕፈት-ማሽን(1450፡ ብዮውሃንስ ጉተምበርግ) ናይ ፍልጠት ብርሃን ብዝቀለለ ክዋናጨፍ ምስ ጀመረ፣ ኮቶሊካዊት ቤት-ክርስትያን ዝገጥማ ዝነበረ ብድሆታት ካብ ፋላስፋታት፡ ስነ-ፍልጠተኛታት፡ ጽሓፍቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ፡ከም በዓል መነኮስ ማርቲን ሉተር(1483-1546)፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ክትዕረቅ ተገዲዳ እያ። እታ ብመነኮስ ማርቲን ሉተር ዝተመስረተት ናይ ከኒሻ ቤት-ክርትያን እኳ፣ ካብ መጀመርትኡ ምስ ፍልጠትን ዕብየትን ተዓሪቃ ስለዝመጸት፡ ኣብ ተኸተልታ ዘውረደቶ በደል ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን እንተ ሬኢና ውን፣ እተን ናይ ከኒሻ ሃገራት እየን ብቁዓት ትካላት ሃኒጸን ህዝበን ብክብረት ዘንብራ ዘለዋ።

ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን፡ ካብ’ዘን ኣብ ምዕራብ ብፍልቀት ምስ ስነ-ፍልጠትን እንዳ ተዓረቃ ክመጻ ዝጸንሓ ቤት-ክርስትያናት፣ ኣዝዩ ዝተፈልየ ታሪኽን ኣመዓባብላን እዩ፣ ዘለዋ። እንኮ ከም ጽቡቕ ክርአ ዝክእል ናይ ኦርቶድክ ቤት-ክርስትያን ኣማዓባብለኣ ሃገራዊ ምዃኑ ጥራይ እዩ። ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤት-ክርስትያን ምስ ናይ ሩስያ፡ ግብጺ ወይ ኣምሓራ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ዘራክበን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ፣ ኩልተን ነናተን መንነት እዩ ዘለወን።

መንነት ኦርቶዶክስ ቤት-ክስትያን ኤርትራ

መንነት ሓደ ትካል፡ ብመራሕቱ ወይ ብናይ መስረቱ ባህሪ’ዩ ዝግለጽ። ኦርቶድክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ-ትግራይ- ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት ኣክሱማዊ ስልጣኔ፣ ብኣዚዮም ሃካያት ኣብ ገዳማት ዝኮብለሉ መነኮሳት፡ ህዝቢ ዘሸብሩ ደብተራታትን ጠንቆልትን’ያ ትምራሕ ዘላ። እዞም ዝተጠቅሱ ዕቡያትን ብልሹዋትን መራሕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ናይ ኣምሓራን ግብጽን መሳርሒ ኮይኖም እዮም ኣሕሊፎሞ። እቶም ንኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ከሐድስዋ ወይ ምስ ስነ-ፍልጠት ክኣርቅዋ ዝፈተኑ ኣባ-እስጢፋኖስን(1380-14430) ስዓብቶምን እንተኾኑ ውን ብሃካያትን ዕቡያትን መራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራን-ትግራይ- ሂወቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበዝሕ ጽሑፋቶም ኣቃጺሎሞ ኣጥፊኦሞ እዮም።

“ሱር ሕማም ሰዓል፡ ሱር ድኽነት በዓል።”

ምስላ ኣበዋት

ኣበርክቶ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ-ትግራይ-

ቤት-ትምህርቲ

ኦርቶድክስ ቤት-ክርስትያን፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ-ትግራይ-፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሽሕ ዓመታት ኣብ ክንዲ ቤት-ትምህርቲ፡ ቤት-ክርስያን ወይ ሓደስቲ ደብርታት ኣብ ምጥያስ እያ ኣሕሊፋቶ። ፍርያታ ድማ ኣሸበርቲ ደብተራታትን ጠንቆልትን ጥራይ ኮይኖም ተሪፎም። ዝኾነ ዘፍረየቶ መራሒ፡ መምህር፡ ሓኪም ወይ ካህን የለን። እቶም ከም ካህናት ዝረኣዩ ሃካይትን ብልሹውትን ድማ ማሕረስ ተሃክይዎም ወይ ንሳዋ ከይከዱ ዘወሰድዎ ክህነት’ዩ ዘለዎም። ብሕጽር ዝበለ፡ እዛ ቤት-ክርስትያን ድንቁርና፡ ትህኪት፡ ሽርሒ፡ ፍርሕን ሽበራን’ያ ከተተባብዕ ጸኒሓ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ፥ መእመናን ናብ ስራሕ ከይ ተግሁ፡ ብዛዕባ በዓላት ትምህር። መርዓታት ብፍስሃን ደስታን ከይሓልፍ፡ ጓይላ ሓጥያት’ዩ፡ ኢላ ትምህር። ንሓጓዶ ስነ-ኪነት ከይማዕብሉ፡ ቡዳታት ኢላ ካብ ሕብረተ-ሰብ ትንጽል። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርትያን ኤርትራ ዝኾነ ኣወንታዊ ኣበርክቶ የብላን።

“ዘይተማህረ ኣየድሕን፡ ዘይተወቅረ ኣየጥሕን።”

ምስላ ኣበዋት
ሕክምና

ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንምእመናን ኣብ ክንዲ ናብ ሕክምና፡ ናብ ጠንቆልትን ደብተራታትን ክኸዱ’ያ ትመክር። ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ-ሓበሻ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ገይራ፣ ዋላ ሓንቲ ናይ ሕክምና ትካል ክትሃንጽ ዘይክኣለት። ንሱስ እንደለ ምኾነ፡ ምእመናን ኣብ ሕክምና ከይዶም፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝኣዘዝሎም መድሃኒት ንከይወስዱ፣ “ኢደ-ሰብ ክህልወኩም ስለዝኽእል መርፍእ ኣይትወግኡ፣ እንተ ተወጌኩም ድማ ክትመቱ ኢኩም” ኢላ፡ ተርዕድን ተሸብርን። እዛ ቤት-ክርስትያን ኣብ ክንዲ ስነ-ፍልጠተኛታት፡ ደብተራታት። ኣብ ክንዲ ሓኪም፡ ጠንቋልቲ ተመጉስ እያ፣ እዚ ኩሉ መዋእል ኣሕሊፋቶ። ዘሕፍር’ዩ!

ቁጠባን ፖሎቲካን

ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንናይ ኤርትራ ሃገራዊ ራብሓ ጠጠው ኣላ ኣይትፈልጥን እያ። መዋእላ ናይ ግብጽን ኣምሓራን መሳርሒ ኮይና እያ ኣሕሊፋቶ። ድሕሪ ምርግጋጽ ሉኡላውነት ሃገረ ኤርትራ-ትግራይ-፣ እንተ’ኾነ ውን ካብ ጽልዋ ግብጽን ኣምሓራን ኣይወጸትን። ዋላ ኣብ ናይ ኣርብዓታት ፖሎቲካ ኤርትራ እንተ ሪኢና፣ ኮቶሊክን ከኒሽን ብቑዓት ናይ ፖሎቲካ መራሕቲ ኣፍርየን። ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ግን ኣብ ክንዲ ምድራዊ ረብሓ -ፖሎቲካ- ፡ምእመናን ንሰማይ ኣቃዕሪሮም ብዛዕባ ሰማይ ክሓስቡ ጥራይ’ያ ትምህር። ኩሉ ምድራዊ ነገር ኮንቱ ምኳኑ እባ ከኣ ተስምረሉ። እዚ’ስ ምስ ምንታይ ይቁጸር፧

ስሊ’ዚ ኦርቶድክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ-ትግራይ- ክትሕደስ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ክትዕልቕ፡ ኩሉ ኣማኒ ክቃለሳ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ትምህቲ፡ ሕክምና፡ ስነ-ኪነት፡ ቁምባን ፖሎቲካን ዘለዋ ፍልስፍና፡ ኣንጻር ክብረት ምእመናን ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ-ትግራይ- ስለዝኾነ። ኣብ ኤርትራ ክትህሉ ዘለዋ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ድማ ነቲ ጭዋ ቀዳማይ ቀጸላ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ክብረቱ ትሕሉ ክትከውን ይግባእ። ድንቁርናን ድኽነትን እንዳ ኣምለኸት ክብረቱ ክትሕልወሉ ስለዘይትኽእል፣ ግን ሕጂ ክትሕደስ ኣለዋ።

January 1, 2019

Timeline Heading 1

This is Timeline description, you can change me anytime click here

January 1, 2019
January 1, 2019

Timeline Heading 2

This is Timeline description, you can change me anytime click here

January 1, 2019
January 1, 2019

Timeline Heading 3

This is Timeline description, you can change me anytime click here

January 1, 2019
January 1, 2019

Timeline Heading 4

This is Timeline description, you can change me anytime click here

January 1, 2019
January 1, 2019

Timeline Heading 5

This is Timeline description, you can change me anytime click here

January 1, 2019

Leave a Comment

Your email address will not be published.