ሸውዓተ-7-

ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ-ትግራይ- ወይ ድማ ኣብ’ታ ‘ኢትዮጵያዊት’ ዝነበረት ክልል ትግራይ ቅርብ ኢልካ ከተጽንዕ እንተ ጀሚርካ፤ ሸውዓተ ኣብ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ሕክምና፡ ቁጽሪ/ቀመር፡ ቁጠባ፡ ፖለቲካን ፍልስፍናንን ኣውራ ቦታ ሒዙ ትረኽቦ። ስልጣኔ ብሄረ-ትግራይ ብሸውዓተ ክትገልጾ ውን ዝቐለለን ዝግባእን እዩ። ተረድኣዮ ኣይትረድዮ ከም ትግረዋይ፡ ሸውዓተ ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ከም ሙሉእ መዐቀኒ ትጥቀመሉ ኢኻ። ከመይ፧ ዝብል ለባም፡ እሞ ብዝዝር ንርኣዮ፥

1. ማሕበራዊ

ኣብ ማሕበራዊ ኣነባብራ ብሄረ-ትግራይ ሸውዓተ ኣዝዩ ቁልፊ ትርጉም ኣለዎ። ንኣብነት መውስቦ ሸውዓተ ወለዶ ቆጺርካ፡ ስጋዊ ዝምድና ምስ ዘይህልወካ ጥራይ እዩ ዝካየድ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያን እቶም ዝውለዱ ቆልዑ ጥዑያት መታን ክኾኑ፣ ከም’ኡ ድማ ማሕበራዊ ምትእምማን ክጥንክር ተባሂሉ እዩ። መውስቦ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምስ ዘይማልእ ብኣባት ነብስን ዓበይቲ ዓድን ተቐባልነት የብሉን፤ ውዱቕ ድማ ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ሓደ ትግረዋይ ንኽምርቕን ንኽረግምን፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ውን እንተኾነ፣ ሸውዓተ ወሎዶኻ ዝተባረኸ ይኹን፤ ወይ ድማ ሸውዓተ ወሎዶኻ ርጉም ይኹን ይበሃል’ዩ ዝብል። እዚ ዘርእየና ሸውዓተ ኣብ ብሄራዊ ኣቃውማ ብሄረ-ትግራይ ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ እዩ።

2. ሃይማኖት

እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኤርትራ-ትግራይ- እንኽተሎ ዘለና ሃይማኖት ገሊኡ ብመግዛእቲ፡ ገሊኡ ድማ ብፍልቀት እንዳ ማዕበለ ከም ዝመጸ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሃይማኖታት፡ እቲ ምስ ፍልቀት ባህላዊ ኣማዓባብላና ፡ምስ ኩሉ ጉድለታቱ፡ ዝተዋሃሃደ ኦርቶዶስ ተዋህዶ እዩ። ምስ ባህልናን ማሕበርዊ ኣነባብራናን መታን ክሰማማዕ ድማ ናይ ሃይማኖት ሊቃውንቲ ኣቦታት ብመንጽር ሸውዓተ ቐሪጾም ተቐቢሎሞ። ንኣብነት፡ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝራት ክንዕዘብ ንኽእል ኢና፥ 7 ሚስጢራት ቤት-ክርስትያን 7 ኪዳናት 7 ናይ ጸሎት ግዝያት 7 ኣጽዋማት 7 ሊቃነ-መላእኽቲ 7 ናይ ክርስትያን መንነት ዝምስክሩ 7 ብእግዝኣብሄር ዝፍንፈኑ ነገራት … ወዘተ

3. ቋንቋ

ኣወዳድባ ቋንቋ ትግርኛ ሓደ ንሸውዓተ (ግእዝ+ሽዱሽተ ኣናበብቲ) እዩ። ሰለምንታይ ሓሙሽተ ወይ ሸሞንተ ኣናበብቲ ዘይተጠቀምና ኢልና እንተ ሓቲትና እቲ መልሲ ቀሊል እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ንኹሉ ብመንጽር ሸውዓተ ስለንርእዮ እዩ።

4. ሕክምና

ብዓይኒ ሕክምና እንተ ሪኢናዮ ውን ዝሓመመ ማጮሎት ክሕጸብ እንተኮይኑ ሓደ ሳብዕቲ ፡ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ክልተ ሳብዕቲ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ እንዳ በለ’ዩ ዝቕጽል። ሽዱስተ ወይ ሸሞንተ እንተ ተሓጺቡ፣ ሙሉእ ምሕረት መታን ክረክብ ክምልኦ’ዩ ዝምከር።

5. ቁጽሪ

ኣብ ቁጽሪ እንተ መጺና ውን ሸውዓተ፡ ልክዕ ከም ዓሰርተ እዩ፣ ዝረአ። ዓሰርተ ኣብ’ዚ ዘመናዊ ናይ ሕሳብ ስርዓት ”ሰረት”-base- እዩ። እዚ ዓሰርተ ሰረት ዝግበረ፡ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ናይ ቁጽሪ ሰርዓት ካብ ናይ ህንድን ኣዕራብን ስልጣኔ ዝተበርከተ እዩ። ካልኦት ስልጣኔታት ውን ናይ ባዕላቶም ናይ ቁጽሪ ሰረታት ነይሮሞም። ንኣብነት ባቢሎናውያን ሱሳ-60- ከም ናይ ሕሳብ ሰረት ይጥቀምሉ ነይሮም። ሸውዓተ ድማ ኣብ ናይ ብሄረ-ትግራይ ቁጽሪ መሰረት-base- እዩ።

6. ቁጠባ

ብቁጠባዊ ዓይኒ እንተ ሪኢናዮ፣ ኣብ ኤርትራ-ትግራይ- መሬት ናይ ቁጠባ ምንጪ እዩ። መሬት ድማ ኣብ ሸውዓተ ዓመት እዩ ዝድየስ። ሓላዊ ወይ ዘርዓይ ናይ እታ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ዝኾነት መሬት እንተ’ኮነ ውን ካብ ነብሲ ወከፍ ሙሉእ ግብሪ ዘለዎ ሰድራ ሸሸውዓተ ገበታ’ዩ ዝዋጽኣሉ።

7. ፖሎቲካ

ኣብ ፖሎቲካ እንተ ሪኢና ማሕበር-7፡ እቲ ሉኡላውነት ኤርትራ ንኽረጋገጽ ምኽንያት ዝኾነ ምንቅስቓስ እዩ። ሕጂ እንተኾነ’ውን ማሕበር-7 ንመርሓ-ጎደንኣ ብሸውዓተ ከም ዝቀረጸቶ ኣንቢብካ ምርዳእ ይክኣል’ዩ። ምኽንያቱ ማሕበር-7 ኣብ ኤርትራ ክትሃንጾ መዲባ ዘላ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ዞባታት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ምእላይ ኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ መንግስቲ ክትሃንጽ፡ ህዝባ ከተድሕን ፣ ብናይ ውክልና ዲሞክራስያዊ ዝሰርሕ ስርዓት ፡ሕጊ-እንድ’ባ፡ ኣብ ቦትኡ ክትመልስን እያ። ብተወሳኺ ማሕበር-7፡ ከም ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ሸውዓተ ዓበይቲ ዕላማታትን መትከላትን ዘለዋ፣ ሓደ ንሹዱሽተ ኣወዳድባ እትኽተል ኣዝያ ሚስጢራዊት ምንቅስቓስ እያ። ንዝያዳ መረዳእታ ንምርካብ ግን ኣብ’ዚ መላግቦ https://elm7.org/ ምጥዋቕ ይከኣል።

December 30, 2022

Corruption in Eritrean orthodox church

Berhe Mael

ተሓድሶ ኦርቶዶክስ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ተሓድሶ ከም ዘድሊያ ኣዝዩ ብሩህ እዩ።…

December 30, 2022
November 13, 2022

ጽሩያት ኤርትራውያን

Berhe Mael

ጽሩያት ኤርትራውያን ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ንብሎም ትሕቲ 2% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፣ ዓዲ ዘይብሎም፡ ሕማቕን ጽቡቕን…

November 13, 2022
October 31, 2022

ሸውዓተ-7-

Berhe Mael

ሸውዓተ-7- ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ-ትግራይ- ወይ ድማ ኣብ’ታ ‘ኢትዮጵያዊት’ ዝነበረት ክልል ትግራይ ቅርብ ኢልካ ከተጽንዕ…

October 31, 2022
October 30, 2022

ትኩእ ይሕደጎ 1938-1971

Berhe Mael

ቀንዲ መራሒ ማሕበር-7 ባህሪ ማሕበር-7 ንምርዳእ፡ ንመራሕን መስራትን ማሕበር-7 ፡ትኩእ ይሕደጎ (1938-1971)፡ ምርዳእ ግዲ ይኸውን።…

October 30, 2022

Leave a Comment

Your email address will not be published.