ለውጢ፡ ካብ መን፧

ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ብዓንደርእሱ፣ ናይ ናብራ ለውጢ እዩ። ይኹን’እምበር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ስለዝወድቐት፡ ናይ ናብራ ለውጢ ከተምጽእ ኣይከኣልን። ለውጢ ንኽመጽእ ግድን ኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ስሩ ክመሖ ኣለዎ። ነዚ ኣሸባሪ ጉጅለ ክምሕዎ ዝኽእል ድማ ናይ ደቂ-ሓረስቶት ውዳቤ ጥራይ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ለዊጢ ካብ ኣስመራ’ኮነ፡ ‘ጀነራላት’ ኣይትመጽእን፤ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ደቂ-ሓረስቶት እያ፣ ትመጽእ። እዚ ዝኸውን ግን ምስ ዝውደቡ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ፡ ዝተወደበ ሓሳብ፡ ገንዘብ፡ ሓቤሬታን ዓቕሚ ሰብን እዩ ለውጢ ዘምጽእ።

ለውጢ፡ ብኸመይ መንገዲ፧

ኣብ ኤርትራ ለውጢ ብሰለማዊ መገዲ፡ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ደብዳቤታት ወይ ፐትሽን፡ ከም ዘይመጽ ናይ ማሕበር-7ን ጉጅለ-15ን ተመኩሮ የረጋግጸልና እዩ። ባህሪ ዝኾነ ኣሸባሪ ጉጅለ ውን ዘፍቅዶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ኣሸባሪ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ብጎነጽ ጥራይ እዩ፤ ክጥፍእ ዝኽእል። ጎነጽ ክበሃል ከሎ፡ ከም’ቲ ኣቦና ትኩእ ይሕደጎ ዝበሎ “ንጸላኢካ ብዘለካ፡ ኣብ ዝረኸብካዮ…” ስግኡን መንፈሱን ምፍራስ ማለት እዩ። ንኣብነት ከም’ዚ ብርጌድ ንሓመዱ ጀሚሮሞ ዘለዉ፣ ካብ እምኒ ጀሚርካ ኩሎም ዘለውካ ኣጽዋር ምጥቃም ማለት እዩ።